ሕማቕ ዝምድና ብኢንተርነት [grooming]

ኸም ወለዲ መጠን ፡ ውሉድና አብ ኢንተርነት ዘይፈልጦም ሰባት ክላለ ከም ዝኽእል አብ አእምሮና ክንሕዞ አለና። ንሱ/ንሳ ሓደ ኻብቲ ኽቃልዕዎ ዝኽእሉ ሓደጋታት grooming እዩ።

ኸም ወለዲ መጠን ፡ ውሉድና አብ ኢንተርነት ዘይፈልጦም ሰባት ክላለ ከም ዝኽእል አብ አእምሮና ክንሕዞ አለና። ንሱ/ንሳ ሓደ ኻብቲ ኽቃልዕዎ ዝኽእሉ ሓደጋታት grooming እዩ።

እዚ grooming እንታይ ማለት እዩ ፧

ሌላን ርኽብን ምስ ቆልዑን አጉባዝን ንክህልዎምን ምግባርን 16 ዓመት ዘይበጽሑን አብቲ ሂወት ናይ እኹል ሰብ ዕድመን ጾታዊ ብስለት ዘይብሎም ዕላማኦም ድማ ንከበላሽውዎምን ጽዩፍ ተግባራት አብ ልዕሊኦም ንክፍጽሙ ምድላይ እዩ።

ብኸመይ ይረኽብዎም ፡

አብ መብዛሕትኡ እዋን ፡ መጀመርታ ሓደ ውልቀ ሰብ ብመስመር አገልግሎት ናይ ኢንተርነት ተጠቂሙ ንሓደ/ሓንቲ ቆልዑ ክላለዮም ይፍትን። ንአብነት ፡ ብመራከቢ ብዙሓን ፡ ፎሮም ፡ አብ ኢንተርነት መድረክ መጻወቲ ቪድዮ ፡ በቲ ቅኑዕ መንነቶም ወይ ናይ ካልእ መንነት ከም መዘናኦም ኮይኑ ይቀርቦም።

ከም ዝአምንዎም ምግባር ፡

እቲ ቆልዓ ነቲ ሰብ ከም ዝአምኖ ይገብር።

ንአብነት ከምዚ ይገብር ፡

  • ነቲ ቆልዓ ዘገድሶ አርእስቲ ሕቶታት ምሕታት።
  • በቲ ንክልቲኦም ዘገድሶም አርእስቲ ርክቦም ምድልዳል።
  • በብቁሩብ ነቲ/ነታ ቆልዑ ከመይ ይስምዖም ይሓቶም ፡ ንሱ/ንሳ ጸገም ምስ አዕሩኽቶም/ መሓዙቶም ወይ ወለዶም ጸገም አለዎም ድዩ የብሎምን ንክፈልጥ ይጽዕር
  • እቲ ቆልዓ ጸገም ዘለዎን ፡ ምስ ነብሱ ጽቡቕ ዘይስምዖ እንተኮይኑ
  • ከም እሙን/እምንቲ ሰብ ኮይኖም ይቀርብዎም

እቲ እምነትን ርክብ ናይ ምሕዝነት ወይ ውን ናይ ፍቅሪ ምስ ተመስረተ ፡ እቲ ሰብ ብዛዕባ ንዕኡ ዘገድሶ ጥቡቅ ርክብ ሕቶታት ኽሓትት ይጅምር።

አብነት ናይቶም ሕቶታት ፡

  • ጥራይኻ ምድቃስ ትፈቱ ዶ ፧
  • ንሓደ ሰብ ስዒምካ ዶ ትፈልጥ ፧
  • ረጂ ወይ ፈትሊ መርሃጫ ትክደኒ ዲኺ ፧
  • ጸጉሪ አለኪዶ ፧
  • ጡብ አውጺኪ ዲኪ ፧
  • መሸኒኻ ዓቂንካዮዶ ትፈልጥ ፧

እቲ ቆልዓ እምነት ምስ አንበረሉን ዝነበሮ ጥንቃቐ ምስ አጉደለ ፡ እቲ ሰብ ሕቶታቱ አስተኻኺሉ ዘይግባእ ሕቶታት ኽሓትት ይጅምር ፡

  • ነቲ ቆልዓ ናይ ሕቡእ ኽፍሊ አካሉ ስእሊ ንክሰደሉ ይሓቶ ፧
  • ናቱ ናይ ሕቡእ ኽፍሊ አካሉ ስእሊታት ይሰደሉ
  • አብ መስመር ኢንተርነት ንክራኸቡ ሓሳብ የቅርበሉ[ንአብነት ፡ ብቪድዬ ኽርአአዩ]
  • ብአካል ክራኸቡ ሓሳብ የቅርበሉ

ክሻቀል አለኒ እንተ ፡

  • ውላደይ መመሊሱ አብ ኢንተርነት ግዜ የሕልፍ እንተ ኮይኑን ነቶም ካልኦት ንጥፈታት ሻላ ምስ ዘርኢ።
  • ንሱ/ንሳ ምስ አዕሩኽቱ /መሓዙታ ዘሕልፎ ግዜ ምስ ዝውሕድ።
  • ንሱ/ ንሳ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ አነ ዘይፈልጦ ሰብ እዮም ዝዘራረቡ።
  • ንሱ/ንሳ አብ ጥቓኦም ምስ ቀረብኩ ነቲ ናይ ስክሪን ስእሊ ቀልጢፎም ምስ ዝቅይርዎ።
  • ንሱ/ንሳ ደብዳቤ ፡ ንብረት ፡ ደወል ናይ ተሌፎን ካብ ዘይንፈልጦም ሰባት ምስ ዝቅበሉ።
  • ንሳ/ንሱ ዘይፈልጦን ዘይሃብክዎም ገንዘብ ምስ ዝህልዎምን ኽዳውንቲን ዘይገዛእኩሎም ነገራትን ምስ ዝህልዎም።
  • ንሱ/ንሳ ብዙሕ ብኹራት ናይ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝህልዎም።
  • ናይ ትምህርቲ ነጥብታቶም ክጎድል ምስ ዝጅምር።
  • ንሱ/ንሳ ጎነጸኛ ምስ ዝኾኑ።
  • ንሱ/ ንሳ ምስ ዝግለሉን ዝዕጸውን።
  • ንሳ/ንሱ ትሑት ርእሰ ትአማንነት ምስ ዘርእዩ።

ውሉደይ ግዳይ ናይ grooming እዩ ኢለ እሓስብ። እንታይ ክገብር አሎኒ ፧

  • ንውሉደይ ነቲ ዘለኒ ስግአት ሻቅሎተይን ኤኻፍሎ።
  • ንዕኡ/ንዕአ ብዛዕባ እቲ ዘለዎ ርክባት ብዙሕ ሓበሬታት እሓቶም።
  • ኸይፈረድኩ እሰምዖ።
  • ምስቲ ሰብ ዝጸሓሓፎ ንክርእዮ እሓቶ።
  • እቲ ዝኮነ ፍጻመታት ነቲ ቆልዓ ብዓይኒ ሕጊ ሓለዋ ክረክብ ኸም ዝኽእል አብ አእምሮይ እናዘከርኩ።
  • ፍቃዱ ወሲደ ፡ ነቲ ኩሉ ሰነድን ጭብጥን እዕቅቦ[ስእሊታት ፡ ስኽሪስ ሹት ናይ መክፈቲ ፡ ሕሳብ ናይቲ ሰብን ፡ ናይ ውሉደይን ፡ ዝተጻሓሓፍዎ መልእኽትታትን]።
  • ነቶም አብ ከባቢና ዝርከቡ መደበር ፖሊስ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብተሌፎን እሕብር።
  • ከም ምክሪ ናይ ፖሊስ ፡
    • ነቲ ሰነድ ሒዘ ምስ ውሉደይ ድዩ ብዘይ ውሉደይ ብአካል እርከብ።
    • እኸስስ
    • ኤመልኽትን ሕሳብ ናይቲ ሰብ ድማ እዓጽዎን።

ንውሉደይ ከሰንዮ ክሕግዘኒ ምእንቲ ፡

  • ንሱ/ንሳ ግዳይ ምኻኖም እዝክር። ናይ ገበን ስምዒት ንኽስምዖ/ዓ ምግባር ነቲ ጸገም ከም ዘይፈትሖ ልቦም ከፊቶም እኹል ሓበሬታ ክነግሩ ኸም ዘይክእሉ ምግባር እዩ።
  • ንውሉደይ ነቲ ምሕዝነት/ዕርኽነት ፍቅሪ ደውንኸብሎ ኽኸብዶ ኸም ዝኽእል እርደአኒ እዩ ፡ ንሱ/ንሳ ናይ ብሓቅን ቅኑዕን ጌሮም ስለ ዝቆጽርዎ።
  • ንውሉደይ ግዜ ወሲደ ይገልጸሎም።
    • እቲ ሰብ ዝገበሮ ዘይሕጋዊ ምኻኑን ስለዚ ኢና ድማ ንፖሊስ ዝሓበርና ፡
    • ሕጊ ንዕኡን/ ንዓአን ንሓለውኦም ከም ዝኾነ እነግሮም።
  • ንውላደይ ናይ ስነ-ልቦና ደገፍ ንኽረኽብ ሓሳብ ኤቅርበሉ።

እቲ ሕጊ ናይ ስዊስ እንታይ ይብል ፧

እዞም ዓንቀጻት ናይ ሕጊ ኽንከስስ ኸለና ውን ኽንጥቀመሎም ንኽእል ኢና ፡

  • ግብረ ጸታዊ ዓመጽ ምስ ቆልዓ ፡ ዓንቀጽ 187 CP
  • ስእለ ጽዩፍ ቪድዮታት ፡ ዓንቀጽ 197፡ ዝባር 1፡ 3፡ 4 ወይ 5፡ CP
  • ምፍርራሕ ፡ ዓንቀጽ ፡ 180፡ ዝባር 1፡ CP
  • ምግዳድ ፡ ዓንቀጽ ፡ 181 CP
  • ምትላልን ምዝመዛ ፡ ዓንቀጽ 156 CP