ውላደይ ቪድዮ ጸወታታት ይጻወት
አነ እተገንዘብክዎ ንዕኡ ቪድዮ ጸወታታት ምጽዋት ዘክእሎ ነገር ፡
- የሐጉሶን የዘናግዖን
- ሓደሽ ተኽእሎታት የጥሪ
- ዕብየት የርእን ይዕወትን
- ዋጋ ይወሃባ/ቦ
- ምስ አዕሩኽቱን መማህርቱን ይጻወት
- ምስኦም / ምስኤን ይዘራረበሉ
አብ ትሕዝቶኡ እግደስ ፡
- ቅድሚ ነቲ መጻወቲ ምግዝኤይ አብ ኢንተርነት ሓበሬታ እፍትሽን ከምኡ ውን ርእይቶ ናይካልኦት ወለዲ እውከስ።
- ብዛዕባ ትሕዝትኡን ገደብ ናይ ዕድመን አብ ኢንተርነት www.pegi.info እፍትሽ።
- እቲ ክፋላት ክንደይ ግዜ ከም ዝውድእ እሓትት።
- እፈልጥ እየ አብ ገለ ገሊኡ ቪድዮ ጸወታታት አብ መስመር ጸወታታት ክገዝኡ ተክእሎ ኣሎ።
ውላደይ አብ ኢንተርነት መድረክ መጻወቲታት ክጻወት ከም ዝክእል ተገንዚበ አለኩ ንሱ ድማ ፡
- ምስ ካልኦት ዘይፈልጦም ተጻወትቲ ክዘራረብ ይክእል
- መልእክቲታትን ስእሊታትን ቪድዮታትን ክሰደሎም ይኽእል
ንነብሱ ንምክልኻል ይምህሮ ፡
- አብ ኢንተርነት ፡ ብዛዕባ ንዓኻ ዝምልከት ሓበሬታትን ፡ ናይ ውልቅኻ ሂወትን ናይ ውሽጥኻ ሂወትን ነብስኻ ምክልኻል አዝዩ አገዳሲ እዩ።
- በበይኑ ኮድ [ፓስ ዎርድ] ምጥቃም ፡ብተደጋጋሚ ምቅያርን ብምስጢር ምዕቃብን አገዳሲ እዩ።
- ነቲ አብ ኢንተርነት ትዝርግሖ ሓበሬታታት[ ስእሊታት ቪድዮታት መልእክቲታት ወዘተ….] ንሓዋሩ አብ ኢንተርነት እዩ ዝተርፍን ወሬኻ ውን ካብኡ እዩ ዝፍጠር [እቶም ካልኦት ሰባት ብዛዕባኻ/ኺ ዘለዎም አረአእያ]።
- ንዓኻ/ኺ ዝምልከት ሓበሬታትን ባዕልኻ/ኺ አብ ኢንተርነት ዝዘርጋሕኩሞ አንጻርኩም ክጥቀሙሉ ይክእሉ እዮም።
- እቶም እትላለይዎም ሰባት ክሕስዉ ይኽእሉ እዮም። ብድሕሪ ስክሪን ተሓቢኡ ዘሎ ሰብ ክትፈልጦ አይከአልን እዩ።
- ገለ ገለ ትሕዝቶታት ምስ ዕድሜኦም ዝኸይድ አይኾነን ብተወሳኪ ውን ዘሰምብድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
እቲ ናይ ኢንተርነት መድረክ መጻወቲታት አብ መስመር ትጻወትዎ ቦታ ሕጊ አልቦ አይኮነን ፡
- ብዓይኒ ሕጊ ፡ እዚ ክልኩል እዩ ፡
- ንሓደ ሰብ አብ መድረክ መጻወቲ ምጽራፍ ወይ ምፍርራሕ ፡
- ጸለመ
- ብዘይ ፈቃድ ናይቲ ሰብ ስእሊ ይኹን ወይ ቪድዮ ንሱ ዘለዎ ምዝርጋሕ።
- ውላደይ ከምዚ ኩነታት እንተ አጋጢምዎ ፡ ንሱ/ንሳ ክኸሱ መሰል አለዎም።
- አብ ስዊስ ፡ ውላደይ ካብ 10 ዓመት ንንየው ዝገብሮ ተግባሩ አብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታቲ እዩ።
ስርዓት የቅውም ፡
- ናይ ስክሪን ዝሪኡሉ ግዜ ገደብ ይሰርዕ ውላደይ ምእንቲ ፡
- ከም ልቡ ክንቀሳቀስ ፡
- እኹል ክድቅስ
- ዝተፈላለየ ንጥፈታት ንክገብር።
- ምስኡ /ምስአ ብዛዕባ ስርዓት ንዘራረብ።
- ነቲ ስርዓት ንክጽሕፎን ክጥቅዖን ሓሳብ አቅርበሉ።
- ምስ ዕድመ ናይ ውላደይ ነቲ ስርዓት ኤስተካኽሎ።
- ስርዓት ምስ ዘየክብር ዝመጾ ሳዕቤን ንዘራረብ።
ነቲ ገደብ ንክጸንዕ ዝሕግዘኒ ፡
- ንውላደይ ክጽብቀሉ ምእንቲ ስርዓትን ገደብን የቅውም።
- ንሱ/ንሳ ክጻወቱ ከለው ወይ ንሱ/ንሳ ምጽዋት ደው ከብልዎ ከለው ስምዒቶም ክቓጻጸሩ ምእንቲ አስተምህሮም።
- ወለዲ ንኽቆጻጸርዎ ዘክእሎም ፕሮግራም ኤጽዕን።
- ግዜ ናይ ጸወታ ገደብ ክህልዎ ምእንቲ ናይ ደቃይቅ ደወል እመልኣ።
- አብነት ክኸዉን ምእንቲ ናተይ ናይ ስክሪን ዝርእየሉ ግዜ አጉድልን ገደብ እገብረሉ።
- ውላደይ ክጻወት ከሎ ግዜ ወሲደ እዕዘቦ ፡ አነ ድማ ንዕኡ/ንዓአ ኤመጉሶምን ኤተባብዖምን።
- ምስኡ/ምስአ ኮይነ ድማ መጻወቲ ቪድዮ እጻወት።
ክሻቀል አለኒ እንተ ፡
- ውላደይ መመሊሱ አብ ምጽዋት ብዙሕ ግዜ የሕልፍ እንተ ኮይኑን ነቶም ካልኦት ንጥፈታት ሻላ ምስ ዝርኢ።
- ንሱ/ንሳ እንተ ዘይተጻዊቶም ወይ ምጽዋት ደው ምስ ዘብሉ ብቀጻሊ ምስ ዝቁጥዑ።
- ንሱ/ንሳ ብዙሕ ብኹራት ናይ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝህልዎ።
- ናይ ትምህርቲ ነጥብታቶም ክጎድል ምስ ዝጅምር።
- ንሱ /ንሳ ድቃስ ምስ ዝአብዮም።
- ንሱ/ንሳ ጎነጸኛ ምስ ዝኮኑ።
- ንሱ/ ንሳ ምስ ዝግለልን ምስ ዝዕጸውን።