ጎነጽ ዘለዎን ወይ ስእለ ጽዩፍ ትሕዝቶ ዘለዎም ቪድዮታት ምቕላዕ

ውሉደይ ስክሪን አብ ዝጥቀመሉ እዋን ፡ ንሳ/ንሱ ንጎነጽ ዘለዎ ወይ ስእለ ጽዩፍ ቪድዮታት ክቓልዑ ይኽእሉ።

ውሉደይ ስክሪን አብ ዝጥቀመሉ እዋን ፡ ንሳ/ንሱ ንጎነጽ ዘለዎ ወይ ስእለ ጽዩፍ ቪድዮታት ክቓልዑ ይኽእሉ።

ከምዚ ዓይነት ትሕዝት ዘለዎም ዝርአየሉ ፡

  • አብ መልእክቲ[ አብ ኢመይል ፡ መሰንጀር ፡ ወዘተ።]
  • አብ ኢንተርነት ዝፍትሸሉ እዋን
  • አብ መራኸቢ ብዙሓን
  • አብቲ ንሳ/ንሱ ቪድዮ ጸወታታት ዝጻወቱሉ እዋን ወይ ተኸታታሊ ፊልሚ ምስ ዕድሚኦም ዘይከይድ ኽርእዩ ከለው

ንነብሱ ንኽከላኸል የስተምህሮ ፡

  • ዘይትፈልጦ ሰብ ብኢመይል ፡ ብመሰንጀር ፡ ወይ ብመራከቢ ብዙሓን አብዚ ጠዊቅካ እቶ ዝብል መልእክቲ ምስ ዝስደልካ ዘይምጥዋቅ አገዳሲ እዩ፡፡
  • አብ ኢንተርነት ክፍትሽ እንከሎ ፡ ዘይግባእ ትሕዝቶ ዘለዎም ክርአዩ ይክእሉ እዮም ዋላ ውን እቲ ዝፈተሾ ጎነጽ ዘለዎ ወይ ናይ ስእለ ጽዩፍ ቪድዮታት ዝሓዘ አይኩን።
  • አብቲ ህሉው ገጽ ዜና ናይ መራከቢ ብዙሓን ፡ ዘሰምብድ ትሕዝቶ ዘለዎም ክዝርግሑ ተክእሎ አሎ።

አነ የሰንዮ

  • ብዛዕባ እቶም ውሩያት ሰባት [ጽልዋ ዘሕድሩ/ራ ] እግደስን ውሉደይ አብ ኢንተርነትን መራከቢ ብዙሓንን ዝክተሎ ትሕዝቶ እግደስ።
  • ብንጹር ንዝኾነ ይኹን ንሳ/ንሱ አብ ዝኾነ እዋን ዋላ ውን ንሱ /ንሳ በቲ ዝርእይዎ ነገር ዘሰክፎም እንተኾነ ንዓይ ክውከሱኒ ከም ዝክእሉ እሕብሮም።
  • እኩላትን እሙናት ሰባት ርእዩ ከኻፍሎም ንሱ/ንሳ ነቶም [መምሃራን ፡ ነርሳት ናይ ቤት ትምህርቲ ወዘተ። ] ክዛረቦም ምእንቲ።
  • ከም ዕድሚኦም ፡ ወለዲ ንክቆጻጸርዎ ዘክእሎም ፕሮግራም ኤጽዕን።

ንሱ/ንሳ ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎም ንኻልኦት ክሰዱሎም ከም ዘይብሎም እገልጸሎም ፡

  • ጎነጽ ዘለዎን ወይ ስእለ ጽዩፍ ቪድዮታት ትሕዝቶ ዘለዎ ንኻልኦት ሰባት ከሰምብዶም ስለ ዝኽእል።
  • ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎ ዘይሕጋዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምሓዙን ምስ ካልኦት ምክፋልን ብሕጊ የቅጽዕ እዩ።
  • አብ ስዊስ ፡ ውላደይ ካብ 10 ዓመት ንንየው ዝገብሮ ተግባሩ አብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታቲ እዩ።

ክሻቀል አለኒ እንተ ፡

  • ውላደይ መመሊሱ አብ ኢንተርነት ብዙሕ ግዜ የሕልፍ ወይ አብ ኢንተርነት ንኽአቱ ዘወግድ ምስ ዝከውን
  • ንሱ/ንሳ ብዙሕ ብኹራት ናይ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝህልዎም።
  • ናይ ትምህርቲ ነጥብታቶም ክጎድል ምስ ዝጅምር።
  • ንሱ/ንሳ ርእሶም ወይ ከብዶም ምስ ዝሓሙ።
  • ንሱ /ንሳ ድቃስ ምስ ዝስእኑ።
  • ንሱ/ንሳ ጎነጸኛ ምስ ዝኾኑ።
  • ንሱ/ ንሳ ምስ ዝግለልን ዝዕጸውን።

ውሉደይ ጎነጽ ዘለዎን ወይ ስእለ ጽዩፍ ቪድዮታት ስለ ዝተቓለዔ። እንታይ ክገብር አለኒ ፧

  • ጽን ኢለ እሰምዖን ንኽዛረብ አተባብዖን።
  • ንሱ/ንሳ ነቲ ዝርአይዎ ንኸርድኦም ይሕግዞምን አህድኦምን።
    • ስምዒቶም ንኽገልጹ እፈቅደሎም። ውሉደይ ፍርሂ ፡ ጭንቀት ፡ ምፍንፋን ፡ ሕፍረት ወዘተ ክስምዖም ይክእል።
    • ንዕኡ/ንዓአ አይፈርዶምን።
    • ምስ ዕድሚኦም ዝከይድን ብክርድኦም ዝክእል ቋንቋ መግለጺ እህቦም። ንሱ/ንሳ ብዕድመ ንአሽቱ ምስ ዝኾኑ ፡ ንሳቶም ብቀሊሉ ክርድእዎ ዝክእሉ ቓላት ክንመርጽ ይግብአና።
    • ሓፈሻዊ መግለጺ እህቦምን ንውላደይ ድማ ባዕሉ ነቲ ሕቶታቱን ሻቅሎቱን ከለልዮ እገድፎ።

ሕጊ ናይ ስዊስ እንታይ ይብል ፧

  • ንጎንጺ ዘውክል ፡ ዓንቀጽ 135 ፡ ዝባር 1ን2 ፡ CP
  • ስእለ ጽዩፍ ፡ ዓንቀጽ 197 ፡ ዝባር 1 ፡ CP