ጎነጽ ዘለዎን ወይ ስእለ ጽዩፍ ትሕዝቶ ዘለዎም ቪድዮታት ምቕላዕ
ውሉደይ ስክሪን አብ ዝጥቀመሉ እዋን ፡ ንሳ/ንሱ ንጎነጽ ዘለዎ ወይ ስእለ ጽዩፍ ቪድዮታት ክቓልዑ ይኽእሉ።
ውሉደይ ስክሪን አብ ዝጥቀመሉ እዋን ፡ ንሳ/ንሱ ንጎነጽ ዘለዎ ወይ ስእለ ጽዩፍ ቪድዮታት ክቓልዑ ይኽእሉ።
ከምዚ ዓይነት ትሕዝት ዘለዎም ዝርአየሉ ፡
- አብ መልእክቲ[ አብ ኢመይል ፡ መሰንጀር ፡ ወዘተ።]
- አብ ኢንተርነት ዝፍትሸሉ እዋን
- አብ መራኸቢ ብዙሓን
- አብቲ ንሳ/ንሱ ቪድዮ ጸወታታት ዝጻወቱሉ እዋን ወይ ተኸታታሊ ፊልሚ ምስ ዕድሚኦም ዘይከይድ ኽርእዩ ከለው
ንነብሱ ንኽከላኸል የስተምህሮ ፡
- ዘይትፈልጦ ሰብ ብኢመይል ፡ ብመሰንጀር ፡ ወይ ብመራከቢ ብዙሓን አብዚ ጠዊቅካ እቶ ዝብል መልእክቲ ምስ ዝስደልካ ዘይምጥዋቅ አገዳሲ እዩ፡፡
- አብ ኢንተርነት ክፍትሽ እንከሎ ፡ ዘይግባእ ትሕዝቶ ዘለዎም ክርአዩ ይክእሉ እዮም ዋላ ውን እቲ ዝፈተሾ ጎነጽ ዘለዎ ወይ ናይ ስእለ ጽዩፍ ቪድዮታት ዝሓዘ አይኩን።
- አብቲ ህሉው ገጽ ዜና ናይ መራከቢ ብዙሓን ፡ ዘሰምብድ ትሕዝቶ ዘለዎም ክዝርግሑ ተክእሎ አሎ።
አነ የሰንዮ
- ብዛዕባ እቶም ውሩያት ሰባት [ጽልዋ ዘሕድሩ/ራ ] እግደስን ውሉደይ አብ ኢንተርነትን መራከቢ ብዙሓንን ዝክተሎ ትሕዝቶ እግደስ።
- ብንጹር ንዝኾነ ይኹን ንሳ/ንሱ አብ ዝኾነ እዋን ዋላ ውን ንሱ /ንሳ በቲ ዝርእይዎ ነገር ዘሰክፎም እንተኾነ ንዓይ ክውከሱኒ ከም ዝክእሉ እሕብሮም።
- እኩላትን እሙናት ሰባት ርእዩ ከኻፍሎም ንሱ/ንሳ ነቶም [መምሃራን ፡ ነርሳት ናይ ቤት ትምህርቲ ወዘተ። ] ክዛረቦም ምእንቲ።
- ከም ዕድሚኦም ፡ ወለዲ ንክቆጻጸርዎ ዘክእሎም ፕሮግራም ኤጽዕን።
ንሱ/ንሳ ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎም ንኻልኦት ክሰዱሎም ከም ዘይብሎም እገልጸሎም ፡
- ጎነጽ ዘለዎን ወይ ስእለ ጽዩፍ ቪድዮታት ትሕዝቶ ዘለዎ ንኻልኦት ሰባት ከሰምብዶም ስለ ዝኽእል።
- ከምዚ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለዎ ዘይሕጋዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምሓዙን ምስ ካልኦት ምክፋልን ብሕጊ የቅጽዕ እዩ።
- አብ ስዊስ ፡ ውላደይ ካብ 10 ዓመት ንንየው ዝገብሮ ተግባሩ አብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታቲ እዩ።
ክሻቀል አለኒ እንተ ፡
- ውላደይ መመሊሱ አብ ኢንተርነት ብዙሕ ግዜ የሕልፍ ወይ አብ ኢንተርነት ንኽአቱ ዘወግድ ምስ ዝከውን
- ንሱ/ንሳ ብዙሕ ብኹራት ናይ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝህልዎም።
- ናይ ትምህርቲ ነጥብታቶም ክጎድል ምስ ዝጅምር።
- ንሱ/ንሳ ርእሶም ወይ ከብዶም ምስ ዝሓሙ።
- ንሱ /ንሳ ድቃስ ምስ ዝስእኑ።
- ንሱ/ንሳ ጎነጸኛ ምስ ዝኾኑ።
- ንሱ/ ንሳ ምስ ዝግለልን ዝዕጸውን።
ውሉደይ ጎነጽ ዘለዎን ወይ ስእለ ጽዩፍ ቪድዮታት ስለ ዝተቓለዔ። እንታይ ክገብር አለኒ ፧
- ጽን ኢለ እሰምዖን ንኽዛረብ አተባብዖን።
- ንሱ/ንሳ ነቲ ዝርአይዎ ንኸርድኦም ይሕግዞምን አህድኦምን።
- ስምዒቶም ንኽገልጹ እፈቅደሎም። ውሉደይ ፍርሂ ፡ ጭንቀት ፡ ምፍንፋን ፡ ሕፍረት ወዘተ ክስምዖም ይክእል።
- ንዕኡ/ንዓአ አይፈርዶምን።
- ምስ ዕድሚኦም ዝከይድን ብክርድኦም ዝክእል ቋንቋ መግለጺ እህቦም። ንሱ/ንሳ ብዕድመ ንአሽቱ ምስ ዝኾኑ ፡ ንሳቶም ብቀሊሉ ክርድእዎ ዝክእሉ ቓላት ክንመርጽ ይግብአና።
- ሓፈሻዊ መግለጺ እህቦምን ንውላደይ ድማ ባዕሉ ነቲ ሕቶታቱን ሻቅሎቱን ከለልዮ እገድፎ።
ሕጊ ናይ ስዊስ እንታይ ይብል ፧
- ንጎንጺ ዘውክል ፡ ዓንቀጽ 135 ፡ ዝባር 1ን2 ፡ CP
- ስእለ ጽዩፍ ፡ ዓንቀጽ 197 ፡ ዝባር 1 ፡ CP