ግፍዒን አብ ኢንተርነት ዝግበር መጥቃዕቲ አብ መንጎ ተማሃሮ

ግፍዒን አብ መንጎ ተማሃሮ መዓልታዊ ኸጋጥም ዝኽእል እዩ። እዚ ንውሉደይ ምስ ካልኦት ቆልዑ ክኸውን እንከሎ ፡ ንአብነት አብ ቤት ትምህርቲ ፡ ድሕሪ ትምህርቲ ዝጸንሓሉ ቦታ ወይ አብ መንገዲ ትምህርቲ ከጋጥሞ ይክእል። እዚ ማለት ድማ ብተደጋጋሚ ዝግበር መጥቃዕቲ ከም ላግጺ ፡ ጸርፊ ፡ ውርደት ፡ ምድፋእ ፡ ምህራም ፡ ምንጻል[ ምግላል] ወዘተ። ብጉጅለ ዝፍጸም ግፍዒ ንንውሕ ዝበለ እዋን ዝቅጽል ተርእዮ እዩ። እቶም ግዳያት ዝተገለሉን ንነብሶም ክኸላከሉላ ዘይክእሉን እዮም።

ግፍዒን አብ መንጎ ተማሃሮ መዓልታዊ ኸጋጥም ዝኽእል እዩ። እዚ ንውሉደይ ምስ ካልኦት ቆልዑ ክኸውን እንከሎ ፡ ንአብነት አብ ቤት ትምህርቲ ፡ ድሕሪ ትምህርቲ ዝጸንሓሉ ቦታ ወይ አብ መንገዲ ትምህርቲ ከጋጥሞ ይክእል። እዚ ማለት ድማ ብተደጋጋሚ ዝግበር መጥቃዕቲ ከም ላግጺ ፡ ጸርፊ ፡ ውርደት ፡ ምድፋእ ፡ ምህራም ፡ ምንጻል[ ምግላል] ወዘተ። ብጉጅለ ዝፍጸም ግፍዒ ንንውሕ ዝበለ እዋን ዝቅጽል ተርእዮ እዩ። እቶም ግዳያት ዝተገለሉን ንነብሶም ክኸላከሉላ ዘይክእሉን እዮም።

ብኢንተርነት ዝግበር መጥቃዕቲ

ኤሌትሮኒካዊ መሳርሒታት ምጥቃም ንብዙሓትን ብቅልጡፍን ብዘይ ገደብ ቦታን ግዜን [24/24 ሰዓትን 7/7 መዓልቲ] መልእክቲ ምዝርጋሕ ማለት እዩ።

ግፍዒ አብ ኢንተርነት ዝግበር መጥቃዕትን አብ ስነ-አእምራዊን አካላዊ ጥዕና ናይ ሓደ ቆልዓ ሕማቅ ሳዕቤናት የስዕብ።

ንውላደይ እድግፍ ፡

  • ንውላደይ ብንጹር ንሱ/ንሳ አብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንዓይ ክውከሱ ከም ዝኽእሉ እሕብሮም።
  • እምነት ከንብሩሎም ዝኽእሉ እኹላት ሰባት አብ ቤት ትምህርትን አብ ቤተ ሰብን ከለሊ ንሱ/ንሳ አብቲ ሽግር ዘጋጥሞ እዋን ከይዱ ክዛረቦም[ንመምሃራን ፡ ነርሳት ናይ ቤት ትምህርቲ ] ከም ዘለዎ አማክሮ።
  • እቲ ዝወረዶ ላግጺ ንሱ/ንሳ ብሰሮም{ብናቶም ጥፍአት} ከምዘይኾነ እገልጸሎም።
  • ደገፈይ እገልጸሎም። ንዕኡ/ንዓአ ዝኾነ ይኹን ምፍርራሕን ምግቡዕባዕን ምስ ዘጋጥም አነ ከም ዝከላከለሎም እነግሮም።

ክሻቀል አለኒ እንተ ፡

  • ውሉደይ ኩሉ ግዜ አብ ትምህርቲ ደንግዩ ምስ ዝአቱ። ንሱ/ንሳ ካብ ደቒ ክላሱ አብ ኮረድዮ ወይ አብ አፍደገ ቤት ትምህርቲ ክሃድም ምስ ዝፍትን።
  • ንሱ/ንሳ ካብ ኩሉ ንጥፈታት ናይ ቤት ትምህርቲን ካብ ትምህርቲ ወጻኢ ዝኾነ ንክሳተፍ ድሌት ዘይብሉ ምስ ዝኸውን።
  • ንሱ/ንሳ ብዙሕ ብኹራት ናይ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝህልዎ።
  • ናይ ትምህርቲ ነጥብታቶም ክጎድል ምስ ዝጅምር።
  • ንሱ/ንሳ ርእሶም ወይ ከብዶም ምስ ዝሓሙ።
  • ንሱ/ንሳ ድቃስ ምስ ዝስእኑ።
  • ንሱ/ንሳ ናይ አመጋግባ ጸገም ምስ ዝኽሰት።
  • ንሱ/ንሳ ጎነጸኛ ምስ ዝኾኑ።
  • ንሱ/ ንሳ ምስ ዝግለሉን ዝዕጸውን።
  • ንሳ/ንሱ ትሑት ርእሰ ትአማንነት ምስ ዘርእዩ።

ውላደይ አብ ኢንተርነት ዝግበር መጥቃዕቲ ዕላማ [ታርጌት] ምስ ዝከውን። እንታይ ክገብር አለኒ ፧

  • ነቲ ዘጋጠመ ንሱ/ንሳ ዝነበርዎ ኩነታት ብዝርዝር ንኽገልጹለይ እሓቶም።
  • ብዘይ ፍርዲ እሰምዖም።
  • ነቲ ብዛዕብኦም አብ ኢንተርነት ተዘርጊሑ ዘሎ መልእክቲ ፡ ስእሊ ወይ ቪድዮ ንኽርእዮ እሓቶም ፡
  • ነቶም መምሃራኑን ዳይሪክተርን ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ኩነታትን እነግር ነቲ ነገር ኽኸታተልዎን ብቅልጡፍ ደው ንኽብልን እሕብሮም።
  • ምስቲ ዘጋጠመ ኩነታት ፡ ንውላደይ ዝከላኸል ሕጊ ከም ዘሎ እዝኽር።
  • ብፍቃድ ናይ ውሉደይ ፡ ነቲ ዘጋጠመ ፍጻመ ከም መርትዖን ጭብጥን እዕቅቦ[ስእሊ ፡ ቪድዮ ፡ ስክሪን ሹት መልእክትታት]
  • አብ ቀረባና ዘለው መደበር ፓሊስ ተሌፎን ብምድዋል ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንሕብሮም።
  • ከም ምክሪ ናይ ፖሊስ ፡
    • ጭብጥታት ሒዘ ፡ ወደይ ይሃሉ አይሃሉ ብአካል ናብቲ መደበር ፖሊስ እከይድ።
    • እኸስስ።
    • ነቲ ትሕዝቶ እሕብር ፡ ሕሳብ ናይቶም ገፋዕቲ ድማ አዕጽዎ።

ንውሉደይ ከሰንዮ ክሕግዘኒ ምእንቲ ፡

  • ንሱ/ንሳ ግዳይ ምኻኖም እዝክር። ናይ ገበን ስምዒት ንኽስምዖ/ዓ ምግባር ነቲ ጸገም ከም ዘይፈትሖ ልቦም ከፊቶም እኹል ሓበሬታ ክነግሩ ኸም ዘይክእሉ ምግባር እዩ።
  • ውላደይ ነቲ ዘጋጠሞ ክነግረኒ ግዜ ስለ ዘድልዮ።ዓቅሊ እገብር።
  • ንውላደይ ናይ ስነ-ልቦና ደገፍ ንኽረኽብ ሓሳብ አቅርበሉ።

ውሉደይ ናይ ግፍዒን አብ ኢንተርነት ዝግበር መጥቃዕትን ምስኽር እንተ ኾይኑ ፡

  • ናቱ ተራ ወሳኒ ምዃኑን ነቶም እኹላት ሰባት ነቲ ኩነታት ኸለልይዎን ከም ዝግብኦ ክሕዝዎን ከም ዘኽእሎምን እገልጸሉ፡፡
    • ንኽነግረኒ ወይ ንሓደ እሙን ዝኾነ ሰብ አብ ቤት ትምህርቲ ንክነግሮ እዕድሞ።
    • ምስቶም ዝላገጽ ኸይሳተፍ እነግሮ።
    • ነቶም ግዳይ ዝኾኑ ንኽድግፎም አተባብዖ።
    • ምናልባት ውሉደይ ናብኡ ኸይግምጠልዎ ንሱ/ንሳ ርእይቶኦም አንጻር እቶም ተላገጽቲ ክዛረቡ እንተ ፈሪሆም ፡ ነቶ ም አዕሩኽቶም ብሓባር ኾይኖም ንክሰርሑ ንኽዛረብዎም አማኽሮ።

ሕጊ ናይ ስዊስ እንታይ ይብል ፧

እዞም ዓንቀጻት ናይ ሕጊ ኽንከስስ እንኸለና ውን ኽንጥቀመሎም ንኽእል ኢና ፡

  • ሓለዋ ናይ ባህርያት/ አንጻር መጥቃዕቲ ፡ ዓንቀጽ 28 ፡ ዝባር 1 ፡ CC
  • ጥቀና ፡ ዓንቀጽ 173 ፡ ዝባር 1 ፡ CP
  • ጸለመ ፡ ዓንቀጽ 174 ፡ ዝባር 1ን2 ፡ CP
  • ጸርፊ ፡ ዓንቀጽ 177 ፡ ዝባር 1 ፡ CP
  • ምፍርራሕ ፡ ዓንቀጽ 180 ፡ ዝባር 1 ፡ CP