ግቡእ አጠቃቅማ ናይ ስክሪን ንናአሽቱ ቆልዑ [0-6 ዓመት]
- ቆልዓይ ትሕቲ 3 ዓመት እንተ ኾይኑ ፡ ንሱ/ንሳ አብ ቅድሚ ስክሪን ብዙሕ ግዜ ከየሕልፉ እሕልዎም።
- ናጻ ኮይኖም ክጻወቱን ፡ አካላዊ ንጥፈታትን ክገብሩን ፡ ምስ ቤተ ሰብ ክራከቡን እመርጽ።
- ካብ ህጻንነቶም ጀሚረ ስርዓት አጣቃቅማ ናይ ስክሪን እሰርዓሎም።
- አብቲ መጻወትን ፕሮግራምን አፕሊከሽን ዝተጻሕፈ ናይ ዕድመ ገደብ ኤክብሮ አብ ግብሪ አውዕሎ።
- ነቲ ዝርእይዎ ምስቲ ንኡስ ዕድሚኦም ዝከይድ እመርጸሎም።
- ክሳተፉሉ ዝክእሉ ንጥፈታት ክመርጽ እፈቱ።
- እቲ/እታ ቆልዓ ዝርእይዎ ምስኦም ኮይነ ድማ ብዛዕብኡ ሓሳብ ንለዋወጥ።
- ነቲ /ነታ ቆልዓ ዝስምዖም ስምዒት ንክገልጽዎ ኣተባብዖም።
- ንደቀይ አብ እዋን መአድን ቅድሚ ናይ ድቃስ ሰዓትን ስክሪን ዝበሃል አይርእዩን እዮም።
- አብ ቅድሚኦም ስክሪን ዝጥቀመሉ እዋን ገደብ እገብረሉ።
ስክሪን ንቆልዓይ ማሕለክቲ ክከውን የብሉን ፡
- ንከባቢኡ ካብ ምድህሳስ
- ከም ልቡ ካብ ምጽዋት
- ንሓሙሽተኦም ህዋሳት ንክጥቀመሎም
- ምስ ቤተ ሰቡ ንከዕልል
- ናይ ምዝራብ ዓቅሙ ካብ ምምዕባል
- ምስ ካልኦት ቆልዑ ካብ ምጽዋት
- ተባላሓቲ ካብ ምኻን
- ካብ ምሕላም