ግቡእ አጠቃቅማ ናይ ስክሪን ንናአሽቱ ቆልዑ [0-6 ዓመት]

  • ቆልዓይ ትሕቲ 3 ዓመት እንተ ኾይኑ ፡ ንሱ/ንሳ አብ ቅድሚ ስክሪን ብዙሕ ግዜ ከየሕልፉ እሕልዎም።
  • ናጻ ኮይኖም ክጻወቱን ፡ አካላዊ ንጥፈታትን ክገብሩን ፡ ምስ ቤተ ሰብ ክራከቡን እመርጽ።
  • ካብ ህጻንነቶም ጀሚረ ስርዓት አጣቃቅማ ናይ ስክሪን እሰርዓሎም።
  • አብቲ መጻወትን ፕሮግራምን አፕሊከሽን ዝተጻሕፈ ናይ ዕድመ ገደብ ኤክብሮ አብ ግብሪ አውዕሎ።
  • ነቲ ዝርእይዎ ምስቲ ንኡስ ዕድሚኦም ዝከይድ እመርጸሎም።
  • ክሳተፉሉ ዝክእሉ ንጥፈታት ክመርጽ እፈቱ።
  • እቲ/እታ ቆልዓ ዝርእይዎ ምስኦም ኮይነ ድማ ብዛዕብኡ ሓሳብ ንለዋወጥ።
  • ነቲ /ነታ ቆልዓ ዝስምዖም ስምዒት ንክገልጽዎ ኣተባብዖም።
  • ንደቀይ አብ እዋን መአድን ቅድሚ ናይ ድቃስ ሰዓትን ስክሪን ዝበሃል አይርእዩን እዮም።
  • አብ ቅድሚኦም ስክሪን ዝጥቀመሉ እዋን ገደብ እገብረሉ።

ስክሪን ንቆልዓይ ማሕለክቲ ክከውን የብሉን ፡

  • ንከባቢኡ ካብ ምድህሳስ
  • ከም ልቡ ካብ ምጽዋት
  • ንሓሙሽተኦም ህዋሳት ንክጥቀመሎም
  • ምስ ቤተ ሰቡ ንከዕልል
  • ናይ ምዝራብ ዓቅሙ ካብ ምምዕባል
  • ምስ ካልኦት ቆልዑ ካብ ምጽዋት
  • ተባላሓቲ ካብ ምኻን
  • ካብ ምሕላም