ውላደይ ቪድዮ ጸወታታት ይጻወት

አነ እተገንዘብክዎ ንዕኡ ቪድዮ ጸወታታት ምጽዋት ዘክእሎ ነገር ፡

  • የሐጉሶን የዘናግዖን
  • ሓደሽ ተኽእሎታት የጥሪ
  • ዕብየት የርእን ይዕወትን
  • ዋጋ ይወሃባ/ቦ
  • ምስ አዕሩኽቱን መማህርቱን ይጻወት
  • ምስኦም / ምስኤን ይዘራረበሉ

አብ ትሕዝቶኡ እግደስ ፡

  • ቅድሚ ነቲ መጻወቲ ምግዝኤይ አብ ኢንተርነት ሓበሬታ እፍትሽን ከምኡ ውን ርእይቶ ናይካልኦት ወለዲ እውከስ።
  • ብዛዕባ ትሕዝትኡን ገደብ ናይ ዕድመን አብ ኢንተርነት www.pegi.info እፍትሽ።
  • እቲ ክፋላት ክንደይ ግዜ ከም ዝውድእ እሓትት።
  • እፈልጥ እየ አብ ገለ ገሊኡ ቪድዮ ጸወታታት አብ መስመር ጸወታታት ክገዝኡ ተክእሎ ኣሎ።

ውላደይ አብ ኢንተርነት መድረክ መጻወቲታት ክጻወት ከም ዝክእል ተገንዚበ አለኩ ንሱ ድማ ፡

  • ምስ ካልኦት ዘይፈልጦም ተጻወትቲ ክዘራረብ ይክእል
  • መልእክቲታትን ስእሊታትን ቪድዮታትን ክሰደሎም ይኽእል

ንነብሱ ንምክልኻል ይምህሮ ፡

  • አብ ኢንተርነት ፡ ብዛዕባ ንዓኻ ዝምልከት ሓበሬታትን ፡ ናይ ውልቅኻ ሂወትን ናይ ውሽጥኻ ሂወትን ነብስኻ ምክልኻል አዝዩ አገዳሲ እዩ።
  • በበይኑ ኮድ [ፓስ ዎርድ] ምጥቃም ፡ብተደጋጋሚ ምቅያርን ብምስጢር ምዕቃብን አገዳሲ እዩ።
  • ነቲ አብ ኢንተርነት ትዝርግሖ ሓበሬታታት[ ስእሊታት ቪድዮታት መልእክቲታት ወዘተ….] ንሓዋሩ አብ ኢንተርነት እዩ ዝተርፍን ወሬኻ ውን ካብኡ እዩ ዝፍጠር [እቶም ካልኦት ሰባት ብዛዕባኻ/ኺ ዘለዎም አረአእያ]።
  • ንዓኻ/ኺ ዝምልከት ሓበሬታትን ባዕልኻ/ኺ አብ ኢንተርነት ዝዘርጋሕኩሞ አንጻርኩም ክጥቀሙሉ ይክእሉ እዮም።
  • እቶም እትላለይዎም ሰባት ክሕስዉ ይኽእሉ እዮም። ብድሕሪ ስክሪን ተሓቢኡ ዘሎ ሰብ ክትፈልጦ አይከአልን እዩ።
  • ገለ ገለ ትሕዝቶታት ምስ ዕድሜኦም ዝኸይድ አይኾነን ብተወሳኪ ውን ዘሰምብድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እቲ ናይ ኢንተርነት መድረክ መጻወቲታት አብ መስመር ትጻወትዎ ቦታ ሕጊ አልቦ አይኮነን ፡

  • ብዓይኒ ሕጊ ፡ እዚ ክልኩል እዩ ፡
    • ንሓደ ሰብ አብ መድረክ መጻወቲ ምጽራፍ ወይ ምፍርራሕ ፡
    • ጸለመ
    • ብዘይ ፈቃድ ናይቲ ሰብ ስእሊ ይኹን ወይ ቪድዮ ንሱ ዘለዎ ምዝርጋሕ።
  • ውላደይ ከምዚ ኩነታት እንተ አጋጢምዎ ፡ ንሱ/ንሳ ክኸሱ መሰል አለዎም።
  • አብ ስዊስ ፡ ውላደይ ካብ 10 ዓመት ንንየው ዝገብሮ ተግባሩ አብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታቲ እዩ።

ስርዓት የቅውም ፡

  • ናይ ስክሪን ዝሪኡሉ ግዜ ገደብ ይሰርዕ ውላደይ ምእንቲ ፡
    • ከም ልቡ ክንቀሳቀስ ፡
    • እኹል ክድቅስ
    • ዝተፈላለየ ንጥፈታት ንክገብር።
  • ምስኡ /ምስአ ብዛዕባ ስርዓት ንዘራረብ።
  • ነቲ ስርዓት ንክጽሕፎን ክጥቅዖን ሓሳብ አቅርበሉ።
  • ምስ ዕድመ ናይ ውላደይ ነቲ ስርዓት ኤስተካኽሎ።
  • ስርዓት ምስ ዘየክብር ዝመጾ ሳዕቤን ንዘራረብ።

ነቲ ገደብ ንክጸንዕ ዝሕግዘኒ ፡

  • ንውላደይ ክጽብቀሉ ምእንቲ ስርዓትን ገደብን የቅውም።
  • ንሱ/ንሳ ክጻወቱ ከለው ወይ ንሱ/ንሳ ምጽዋት ደው ከብልዎ ከለው ስምዒቶም ክቓጻጸሩ ምእንቲ አስተምህሮም።
  • ወለዲ ንኽቆጻጸርዎ ዘክእሎም ፕሮግራም ኤጽዕን።
  • ግዜ ናይ ጸወታ ገደብ ክህልዎ ምእንቲ ናይ ደቃይቅ ደወል እመልኣ።
  • አብነት ክኸዉን ምእንቲ ናተይ ናይ ስክሪን ዝርእየሉ ግዜ አጉድልን ገደብ እገብረሉ።
  • ውላደይ ክጻወት ከሎ ግዜ ወሲደ እዕዘቦ ፡ አነ ድማ ንዕኡ/ንዓአ ኤመጉሶምን ኤተባብዖምን።
  • ምስኡ/ምስአ ኮይነ ድማ መጻወቲ ቪድዮ እጻወት።

ክሻቀል አለኒ እንተ ፡

  • ውላደይ መመሊሱ አብ ምጽዋት ብዙሕ ግዜ የሕልፍ እንተ ኮይኑን ነቶም ካልኦት ንጥፈታት ሻላ ምስ ዝርኢ።
  • ንሱ/ንሳ እንተ ዘይተጻዊቶም ወይ ምጽዋት ደው ምስ ዘብሉ ብቀጻሊ ምስ ዝቁጥዑ።
  • ንሱ/ንሳ ብዙሕ ብኹራት ናይ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝህልዎ።
  • ናይ ትምህርቲ ነጥብታቶም ክጎድል ምስ ዝጅምር።
  • ንሱ /ንሳ ድቃስ ምስ ዝአብዮም።
  • ንሱ/ንሳ ጎነጸኛ ምስ ዝኮኑ።
  • ንሱ/ ንሳ ምስ ዝግለልን ምስ ዝዕጸውን።