ዉላደይ ኢንተርነትን መራኸቢ ብዙሓንን ይጥቀም
አነ ዝግንዘቦ ኢንተርነትን መራኸቢ ብዙሓንን ንዕኡ የኽእሎ ፡
- ምስ አዕሩኽቶምን/መሓዙተንን የራኽቦም
- አብቲ ዘገድሶም ዝርርብ ንኽሳተፉ
- ተቀባልነትን አፍልጦ የውህቦም
- ፈጠራአዊ ክእለትን ሓሳባትን የማዕብሉ
- ንክፈልጥዎ ዝደልዩ ይፍትሹ
- ሓደስቲ ነገራት ይመሃሩን ይፈልጡን
ንነብሱ ንኽከላኸል የስተምህሮ ፡
- አብ ኢንተርነት ፡ ብዛዕባ ንዓካ ዝምልከት ሓበሬታትን ፡ ናይ ውልቅካ ሂወትን ናይ ውሽጥኻ ሂወትን ነብስኻ ምክልኻል አዝዩ አገዳሲ እዩ።
- በበይኑ ኮድ [ፓስ ዎርድ] ምጥቃም ፡ ብተደጋጋሚ ምቅያርን ብምስጢር ምዕቃብን አገዳሲ እዩ።
- ነቲ አብ ኢንተርነት ትዝርግሖ ሓበሬታታት[ ስእሊታት ቪድዮታት መልእክቲታት ወዘተ….] ንሓዋሩ አብ ኢንተርነት እዩ ዝተርፍን ወሬኻ ውን ካብኡ እዩ ዝፍጠር [እቶም ካልኦት ሰባት ብዛዕባኻ/ኺ ዘለዎም አረአእያ]።
- ንዓኻ/ኺ ዝምልከት ሓበሬታትን ባዕልኻ/ኺ አብ ኢንተርነት ዝዘርጋሕኹሞ አንጻርኩም ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም።
- እቶም እትላለይዎም ሰባት ክሕስዉ ይኽእሉ እዮም። ብድሕሪ ስክሪን ተሓቢኡ ዘሎ ሰብ ክትፈልጦ አይከአልን እዩ።
- ገለ ገለ ትሕዝቶታት ምስ ዕድሜኦም ዝኸይድ አይኾነን ብተወሳኪ ውን ዘሰምብድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
- ብዘይ ናቱ/ ናታ ፍቃድ ስእሎም እንተ ተዘርጊሑ ንክድምሰስ ክሓቱ መሰል አለዎም።
ኢንተርነት ካብ ሕጊ ወጻኢ እትኾነሉ ቦታ አይኮነን ኢለ እገልጸሉ ፡
- ብዓይኒ ሕጊ ፡ እዚ ክልኩል እዩ ፡
- ንሓደ ሰብ አብ ኢንተርነት ምጽራፍ ወይ ምፍርራሕ ፡
- ጸለመ
- ብዘይ ፈቃድ ናይቲ ሰብ ስእሊ ይኹን ወይ ቪድዮ ንሱ ዘለዎ ምዝርጋሕ።
- ነቶም ክጽዕንዎም ዝደልይዎም አፕሊኬሽናት ብዛዕብኦም ሓበሬታ ይእክብ።
- አብ ስዊስ ፡ ውላደይ ካብ 10 ዓመት ንንየው ዝገብሮ ተግባሩ አብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታቲ እዩ።
አነ የሰንዮ ፡
- ንውላደይ አብቲ ናይ ፓራሜትር ድ ኮንፊዶንስያሊተ[ብዛዕባኻ ዝምልከት ሓበሬታ ክረኤን ከይርኤን እተስተኻክለሉ መቆጻጸሪ ስርዓት] ናይ መራከቢ ብዙሃን ንክሰርዖ እሕግዞ።
- ነቶም ክጽዕኖ ዝደሊዎም አፕሊኬሽና ብዛዕብኦም ሓበሬታ ይእክብ።
- ንሱ/ንሳ ሕቶታት እንተ አለዎም ወይ ዝኮነ ዝኸብዶም ነገር ምስ ዝገጥሞም እሰምዖም።
- አብነት ክኸውን ምእንቲ ናተይ ናይ ስክሪን ዝርእየሉ ግዜ አጉድል።
ስርዓት የቕውም ፡
- ናይ ስክሪን ዝሪኡሉ ግዜ ገደብ ይሰርዕ ውላደይ ምእንቲ ፡
- ከም ልቡ ክንቀሳቀስ ፡
- እኹል ክድቅስ
- ዝተፈላለይ ንጥፈታት ንክገብር።
- ምስኡ /ምስአ ብዛዕባ ስርዓት ንዘራረብ።
- ነቲ ስርዓት ንኽጽሕፎን ክጥቅዖን ሓሳብ አቅርበሉ።
- ምስ ዕድመ ናይ ውላደይ ነቲ ስርዓት አስተኻኽሎ።
- ስርዓት ምስ ዘየክብር ንዝመጾ ሳዕቤን ንዘራረብ።
ክሻቀል አለኒ እንተ ፡
- ውላደይ መመሊሱ አብ ኢንተርነት ግዜ የሕልፍ እንተ ኾይኑን ነቶም ካልኦት ንጥፈታት ሻላ ምስ ዘርኢ።
- ንሱ/ንሳ ምስ አዕሩኽቱ /መሓዙታ ዘሕልፎ ግዜ ምስ ዝውሕድ።
- ንሱ/ንሳ ብዙሕ ብኹራት ናይ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝህልዎም።
- ናይ ትምህርቲ ነጥብታቶም ክጎድል ምስ ዝጅምር።
- ንሱ /ንሳ ድቃስ ምስ ዝስእኑ።
- ንሱ/ንሳ ጎነጸኛ ምስ ዝኾኑ።
- ንሱ/ ንሳ ምስ ዝግለልን ዝዕጸውን።