ዉላደይ ኢንተርነትን መራኸቢ ብዙሓንን ይጥቀም

አነ ዝግንዘቦ ኢንተርነትን መራኸቢ ብዙሓንን ንዕኡ የኽእሎ ፡

  • ምስ አዕሩኽቶምን/መሓዙተንን የራኽቦም
  • አብቲ ዘገድሶም ዝርርብ ንኽሳተፉ
  • ተቀባልነትን አፍልጦ የውህቦም
  • ፈጠራአዊ ክእለትን ሓሳባትን የማዕብሉ
  • ንክፈልጥዎ ዝደልዩ ይፍትሹ
  • ሓደስቲ ነገራት ይመሃሩን ይፈልጡን

ንነብሱ ንኽከላኸል የስተምህሮ ፡

  • አብ ኢንተርነት ፡ ብዛዕባ ንዓካ ዝምልከት ሓበሬታትን ፡ ናይ ውልቅካ ሂወትን ናይ ውሽጥኻ ሂወትን ነብስኻ ምክልኻል አዝዩ አገዳሲ እዩ።
  • በበይኑ ኮድ [ፓስ ዎርድ] ምጥቃም ፡ ብተደጋጋሚ ምቅያርን ብምስጢር ምዕቃብን አገዳሲ እዩ።
  • ነቲ አብ ኢንተርነት ትዝርግሖ ሓበሬታታት[ ስእሊታት ቪድዮታት መልእክቲታት ወዘተ….] ንሓዋሩ አብ ኢንተርነት እዩ ዝተርፍን ወሬኻ ውን ካብኡ እዩ ዝፍጠር [እቶም ካልኦት ሰባት ብዛዕባኻ/ኺ ዘለዎም አረአእያ]።
  • ንዓኻ/ኺ ዝምልከት ሓበሬታትን ባዕልኻ/ኺ አብ ኢንተርነት ዝዘርጋሕኹሞ አንጻርኩም ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም።
  • እቶም እትላለይዎም ሰባት ክሕስዉ ይኽእሉ እዮም። ብድሕሪ ስክሪን ተሓቢኡ ዘሎ ሰብ ክትፈልጦ አይከአልን እዩ።
  • ገለ ገለ ትሕዝቶታት ምስ ዕድሜኦም ዝኸይድ አይኾነን ብተወሳኪ ውን ዘሰምብድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
  • ብዘይ ናቱ/ ናታ ፍቃድ ስእሎም እንተ ተዘርጊሑ ንክድምሰስ ክሓቱ መሰል አለዎም።

ኢንተርነት ካብ ሕጊ ወጻኢ እትኾነሉ ቦታ አይኮነን ኢለ እገልጸሉ ፡

  • ብዓይኒ ሕጊ ፡ እዚ ክልኩል እዩ ፡
    • ንሓደ ሰብ አብ ኢንተርነት ምጽራፍ ወይ ምፍርራሕ ፡
    • ጸለመ
    • ብዘይ ፈቃድ ናይቲ ሰብ ስእሊ ይኹን ወይ ቪድዮ ንሱ ዘለዎ ምዝርጋሕ።
  • ነቶም ክጽዕንዎም ዝደልይዎም አፕሊኬሽናት ብዛዕብኦም ሓበሬታ ይእክብ።
  • አብ ስዊስ ፡ ውላደይ ካብ 10 ዓመት ንንየው ዝገብሮ ተግባሩ አብ ቅድሚ ሕጊ ተሓታቲ እዩ።

አነ የሰንዮ ፡

  • ንውላደይ አብቲ ናይ ፓራሜትር ድ ኮንፊዶንስያሊተ[ብዛዕባኻ ዝምልከት ሓበሬታ ክረኤን ከይርኤን እተስተኻክለሉ መቆጻጸሪ ስርዓት] ናይ መራከቢ ብዙሃን ንክሰርዖ እሕግዞ።
  • ነቶም ክጽዕኖ ዝደሊዎም አፕሊኬሽና ብዛዕብኦም ሓበሬታ ይእክብ።
  • ንሱ/ንሳ ሕቶታት እንተ አለዎም ወይ ዝኮነ ዝኸብዶም ነገር ምስ ዝገጥሞም እሰምዖም።
  • አብነት ክኸውን ምእንቲ ናተይ ናይ ስክሪን ዝርእየሉ ግዜ አጉድል።

ስርዓት የቕውም ፡

  • ናይ ስክሪን ዝሪኡሉ ግዜ ገደብ ይሰርዕ ውላደይ ምእንቲ ፡
    • ከም ልቡ ክንቀሳቀስ ፡
    • እኹል ክድቅስ
    • ዝተፈላለይ ንጥፈታት ንክገብር።
  • ምስኡ /ምስአ ብዛዕባ ስርዓት ንዘራረብ።
  • ነቲ ስርዓት ንኽጽሕፎን ክጥቅዖን ሓሳብ አቅርበሉ።
  • ምስ ዕድመ ናይ ውላደይ ነቲ ስርዓት አስተኻኽሎ።
  • ስርዓት ምስ ዘየክብር ንዝመጾ ሳዕቤን ንዘራረብ።

ክሻቀል አለኒ እንተ ፡

  • ውላደይ መመሊሱ አብ ኢንተርነት ግዜ የሕልፍ እንተ ኾይኑን ነቶም ካልኦት ንጥፈታት ሻላ ምስ ዘርኢ።
  • ንሱ/ንሳ ምስ አዕሩኽቱ /መሓዙታ ዘሕልፎ ግዜ ምስ ዝውሕድ።
  • ንሱ/ንሳ ብዙሕ ብኹራት ናይ ቤት ትምህርቲ ምስ ዝህልዎም።
  • ናይ ትምህርቲ ነጥብታቶም ክጎድል ምስ ዝጅምር።
  • ንሱ /ንሳ ድቃስ ምስ ዝስእኑ።
  • ንሱ/ንሳ ጎነጸኛ ምስ ዝኾኑ።
  • ንሱ/ ንሳ ምስ ዝግለልን ዝዕጸውን።