ምስ ስክሪን ምንባር

ካብ ገለ ዓመታት አትሒዙ ፡ ስክሪንን ኤሌትሮኒካዊ መሳርሒታትን ክፋል መዓልታዊ ሂወትና ኮይኖም አለው። ከም ወለዲ መጠን ፡ ንሕና ውን መዓልታዊ ንክንዘራረብ ንስራሕ ወይ ንመዘናግዒ ንጥቀመሎም ኢና።

ደቅና ውን ብናትና አጠቃቅማ ፡ በብቅሩብ ውን ናታቶም ተመክሮ ነዚ ዝተቃልዑ እዮም። ከም መጠን ዕድሚኦም ፡ ንሳቶም/ንሳተን መጻወቲ ቪድዮ [ገይም] ፡ መፈተሺ ኢንተርነት አጠቃቅማን ናይ መራከቢ ብዙሓን ይጥቀሙ እዮም።

አብ ማእከል እዞም ስክሪናት ፡ ንሕና ወለዲ ንደቅና ግቡእን ሓላፍነትን ዘለዎ አጠቃቅማ ንኸማዕብሉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል ፧ ስሩዕ ሂወት ስድራቤት ንምዕቃብ ንሕና እንታይ ፍታሕ ከነዳሉ ንክእል ፧

አክስዮን ኢንሶንስ ንደቅኩም በዚ ጉዳይ ተመክሮ ንኽድልቡ ክትድግፍዎም ምእንቲ ገለ ገለ ሓሳብ ተቅርበልኩም።

አብ ማእከል እዞም ስክሪናት ፡ ንሕና ወለዲ ንደቅና ግቡእን ሓላፍነትን ዘለዎ አጠቃቅማ ንኸማዕብሉ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል ፧ ስሩዕ ሂወት ስድራቤት ንምዕቃብ ንሕና እንታይ ፍታሕ ከነዳሉ ንክእል ፧

አክስዮን ኢንሶንስ ንደቅኩም በዚ ጉዳይ ተመክሮ ንኽድልቡ ክትድግፍዎም ምእንቲ ገለ ገለ ሓሳብ ተቅርበልኩም።

ናይ አገልግሎት ትካል

አክሽን ኢንሶንስ ማሕበር እያ። ብ1999 አብ ጀነቭ እተመስረተት ኮይና ዕላማአ ድማ ንጹህን ምዕሩይን አጠቃቅማ ናይ ስክሪን ንክህሉ ምጉስጓስ እዩ። እዛ ማሕበር አብ ቤት ትምህርቲ ትዋሳእ፣ ንምክልካል ዝጠቅሙ ነገራት ንምምዕባልን ንምስትምሃርን ዓቢ ጐስጓስ ኣፍልጦ ንሰብ ሞያ ትምህርትን ጥዕናን ተካዪድ።